Fana: At a Speed of Life!

“ፕሬዚዳንት ኢራን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ፅዒና ነይራ” ዝተባህለት ሄሊኮፕተር ከምዝተሓንሸሸት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ፕሬዚዳንት ኢራን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ፅዒና ነይራ” ዝተባህለት ወታደራዊት ሄሊኮፕተር ኣብ ምብራቕ ኣዘርባጃን ከምዝተሓንሸሸት መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂበን።

ከም ፀብፃ ቴህራን ታይምስ እንተኾይኑ÷ ኣብ በረራ ዝነበራ ሰለስተ ሄሊኮፕተራት አእአንትኾና እተን ክልተ ኣብ መዕረፊአን ዓሪፈር፡፡

ብኻእ መዳይ “ኣብ ዝተሓምሸሸት ሄሊኮፕተር ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲን ሓዊሱ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሚር ኣብዶላህያን፣ ኢማም መስጊድ ኣያቶላህ ኣል ሃሺምን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ምብራቕ ኣዘርባጃን ማሌክ ራህማቲ ተሳቲፊሮምላ ዝነበረት ክትከውን ከምትኽእል” ግምታዊ ፀብፃት ይወፅኡ ኣለዉ፡፡

ይኹን እምበር ኣብታ ዝተሓምሸሸት ሄሊኮፕተር ብትኽክል እንመን ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ፅፁይ ሓበሬታ ከምዘየለ ዝተመላኸተ እንትኸውን÷ መበገሲ ሓደጋ እታ ሄሌኮፕተር እንታይ ከምዝኾነ እውን መብርሂ ከምዘየለ ዘ ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.