Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ከም ዝሞቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብዶላህያን ካልኦትን ብሰንኪ እቲ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠማ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ከም ዝሞቱ ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ገሊፃ።

እታ ሄሊኮፕተር፥ ትማሊ ኣጋምሸት ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ናብ ከቢድ ዕምብረ ግመ ምስ ኣተወት ብዘጋጠማ ሓደጋ ብኸቢድ ከም ዝዓለበት ይግለፅ።

ንላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ዘሳፈረት ሄሊኮፕተር፥ ትማሊ ድሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ ኣሰር ሰብ ከም ዘይተረኽበ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፥ ካብ ከባቢ ዶብ ኢራንን ኣዘርባጃንን ምስ ተመልሱ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናብ እትርከብ ታብሪዝ ዝተባህለት ከተማ ይኸይዱ ከም ዝነበሩ ፀብፃባት መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር የመልኽቱ።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ሰፊሕ ፃዕሪ ኣለሻ ይካየድ እኳ እንተሃለወ፥ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኣፀጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎ ይግለፅ።

ገለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር፥ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብዶላህያንን ካልኦት ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ውልቀሰባትን ከም ዝሞቱ ፀብፂበን።

ይዅን’ምበር ክሳብ ሐዚ ካብ ሰብ መዚ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.