Fana: At a Speed of Life!

 “ሃገረይ ኣብ እትደሊየኒ ግዳጅ ብምስላፍ ግደይ ክዋፃእ ኢየ-ወዲ 58 ዓመት ከታቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዓውደ ኲናት ዓሊሞም ተኳሲ ከምዝኾኑ ይዝረበሎም።

ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፍቕሪ ሃገር ስምዒት፣ ኣይሰዓርን በሃላይነትን ጥንካረን ድማ ኣብ እዋን መንእሰይነቶም ማዕረ ብዝኾነ መንፈስ ነህልውና ሃገር ንክስለፉ ገይሩዎም ኢዩ።

ኣብ ግንባር ጋሽና ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በምውዳድ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ንሃገር ዝተሰለፉ እቶም ወዲ 58 ዓመት ሚሊሻ ኣይሰዓራይነት ስምዒቶም ዘገርም ኢዩ።

“ዕድመይ ናይ ዓውደ ኲናት ግዳጅ ካብ ምፍፃም ኣይእግደንን” በምባል፥ “በዚ ዕድመይ ሃገረይ ንምድሓን ኣድላዪ ግዳጅ ኩሉ ብምስላፍ ግደይ ንምውፃእ ብቖራፅነት ተሰሊፈ ኣለኹ” ኢሎም።

ካብ ገዘኦም እንትወፅኡ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብዓወት ተመለስ ተባሂሎም ከምዝተፋነዉ ዝገልፁ ኣይተ ጥበበ፥ ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር እውን ህዝቢ ብምትሕብባር እኽሎም ነክእክበሎም ምዝራቦም ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እቲ ህዝቢ ቤተሰቦም በቢእዋኑ እናሓለወ ከምዝንከባኸብ ቃል ከምዝኣተወሎም ገሊፆም።

“ታሪክና ንከጥፍእ ዝመፅአ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምውጋእን ተቓሊስካ ንምስዓርን ግደይ ንምውፃእ መፂአ ኣለኹ” ምባሎም ኢፕድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.