Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ለበዳ ንምክልኻል ዝሕግዝ ምትሕብባር ንኽጣየሽ ፃውዒት ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሃገራት ድሕሪ ሕዚ ክለዓል ንዝኽእል ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ዝሕግዝ ስምምዕነት ምትሕብባር ንኽጣየሽ ፃውዒት ኣቕሪበን።

መራሂተ መንግስቲ ጀርመን ኣንጌላ ሜርክል፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰንን ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮንን ሓዊሱ መራሕቲ ልዕሊ 20 ሃገራት ኢዮም እቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም ዘለዉ፡፡

እቶም መራሕቲ እዋናዊ ዝኾነ ስግኣት ጥዕና ዓለም መበገሲ ብምግባር ኢዮም ፃውዒት ዘቕረቡ ተባሂሉ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀፃሊ ከም ኮቪድ19 ዝበሉ ለበዳታት መዓዝ ከምዝለዓሉ ስለዘይፍለጥ ምክልኃል ብዘኽእል መልክዑ ድሉውነት ክህሉ ይግባእ ዝብል ቅዋም ኣለዎም፡፡

ነዚ ንኽሕግዝ እውን ለበዳታት ኣቐዲምካ ንምክልኻ ስምምዕነት ምትሕብባር ምጥያሽ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ሃገራት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ስምምዕነት ንምጥያሽ ናብ ዝግበር ከይዲ ንኽፅምበራ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 24 ሃገራት ነቲ ድሉውነት ስምምዕነት ዝፈረማ እንትኾና፥ ካብ ሞንጎ እቶም ፈረምቲ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ይርከቦ፡፡

እቲ ስምምዕነት፥ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ንመሊስካ ህንፀት ምስ ዝተፈረመ ስምምዕነት ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.