Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ዝተሓተ ብርኪ እንከሎ ተሪር ስጉምትታት ብምውሳደን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ካብ ወርሒ ለካቲት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪካ ክርኣይ ተራእዩ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ካልኦት 34 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም።

እዚ ምስ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኤዥያን ኣመሪካን ክነፃፀር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝኾነ ይግለፅ።

ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ዶክተር ጆን ኬንጋሶንግ፥ እቲ ቁፅሪ ክውሕደሉ ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት ሃገራት ኣፍሪካ እቲ ለበዳ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከሎ እኹል ጥንቃቐ ስለ ዝወሰዳ እዩ ኢሎም።

እቲ ማእከል ን55 ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ዝሓቖፈ እንትኸውን፥ ኣብታ ልዕሊ ሓደ ቢልየን ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪካ ካብ ዓለም 5 ሚኢታዊት ካብቶም ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ከምኡ’ውን 3 ነጥቢ 6 ሚኢታዊት ካብቶም ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ዝሞቱ ካብዛ ኣህጉር ምዃኖም ዶክተር ጆን ሓቢሮም።

ነቲ ኣብ ኣፍሪካ እኹል መርመራ ስለ ዘይተገበረ እቲ ቁፅሪ ሓቂ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ድማ ግጉይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዶክተር ጆን “ክንድ’ቲ ካልኦት ኣህጉራት ዝገበረኦ መርመራ ዘይገበርና ክንከውን ንኽእል ኢና፤ እንተኾነ ከምቲ ኣብ ካልእ ኣህጉራት ዝርአ ኣብ ጎዶናታት ሰብ ኣይሞተነናን፣ ጃምላዊ መቃብር ኣይኩዓትናን” ኢሎም።

ሃገራት ኣፍሪካ እቲ ለበዳ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ እንከሎ ተሪር ስጉምትታት ክወስዳ ከም ዝጀመራ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ደቡብ ኣፍሪካ እቲ ለበዳ ገና እንከሎ ምሉእ ዕፅዋ ምእዋጃ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ተረርቲ ስጉምትታት ብምውሳደን ውፅኢታዊ ምንባሩ ገሊፆም።

ብተወሳኺ “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንኣብነት ኣብዛ ኣነ ዝነበረላ ዘለኹ ኣዲስ ኣበባ ሰብ ኣብ ጎደናታት ዳርጋ 100 ሚኢታዊት ክትብሎ ዘድፍር መሸፈንን ኣፍን ኣፍንጫን እዩ ዝገብር” ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.