Fana: At a Speed of Life!

ግሪክ ካብ በረኻ ሰሃራ ብዝተልዓለ ኣውሎ ንፋስ ብዶሮና ከምዝተሸፈነት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግሪክ ካብ በረኻ ሰሃራ ብዝተልዓለ ኣውሎ ንፋስ ብዶሮና ከምዝተሸፈነት ተገሊፁ።

ካብ ኣፍሪካ ብዝተልዓለ ልዑል ዶሮና ዝሓዘለ ኣውሎ ንፋስ ከተማ ኣቴንስን ካልኦት ከተማታት ግሪኽን ዝተሸፈና እንትኾና፤ ሰማይ እታ ሃገር ቀያሕታይ ቀለም ብዘለዎ ብናን ከምዝተጋረደ ተሓቢሩ፡፡

ኣገልግሎት ሜቲዎሮሎጂ እታ ሃገር፤ ኣብ መብዛሕትኡ ሰሜናዊን ምዕራብን ክፋል እታ ሃገር ዘጋጠመ ናይ በረኻ ሰሃራ ዶሮና ዝሓዘለ ኣውሎ ንፋስ ብጭቃን ዝናብን ክዕጀብ ከምዝኽእል ገሊፁ፡፡

እቲ ኣውሎ ንፋስ ልዑል ምስ ዝኾነ ናይ ፅድያ ሙቐት ብምግጥጣም ፅዕንቶ እናጠንከረ ምምፅኡ ሓበሬታታት ኩነታት ኣየር ኣገንዚቦም።

ዶሮና ዝሓዘለ እቲ ኣውሎ ንፋስ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ፀገም ጥዕና ከስዕብ ከምዝኽእል ሰብ መዚ ምጥንቃቖም ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.