Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ለውጢ ንክመፅእ ብዙሓት መናእሰይ ህይወቶም አሀጊሮም ኢዮም – ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ንክመፅእ ብዙሓት መናእሰይ ህይወቶም አሀጊሮም ኢዮም ክብላ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች አቤቤ ገሊፀን።

ድጋፍ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

እቲ ደገፍ፥ “መንእሰይነተይ ንሃገረይ ኢትዮጵያ፤ ካርደይ ንብልፅግና” በዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ መናእሰይ ንፓርቲ ብልፅግና ዘለዎም ደገፍ ገሊፆም።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች አቤቤ ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ከምዝበልኡ፥ ሃገራዊ ለውጢ ንክመፅእ ብዙሓት መናእሰይ ህይወቶም አሀጊሮም ኢዮም።

ኣብ ህንፀት ሃገረ መነግስቲ ኢትዮጵያ ግደ መናእሰይ ልዑል ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

ፓርቲ ብልፅግና መናእሰይ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ፖለቲካን ግቡእ ቦታ ንክረኽቡ ፕሮግራም ብምራፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢረን።

“ብልጽግና ለማከናወን የገባውን ቃል ጠብቆ የሚተገብር ፓርቲ ነው” ሲሉም ምክትል ከንቲባዋ ተናግረዋል።

እቲ ፓርቲ ዝኣተዎ ቃል ዝትግብር ከመዝኾነ ብምግላፅ፥ ንመፃኢ ትውልዲ ልምዓትን ምዕባለን እንበር ፅልእን ምክፍፋልን ከምዘየውርስ ኣብሪሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.