Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ብመንፅር ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሳትፎ ዜጋታት ብዘረጋገፀ መገዲ ናፃ ክኸውን ይግባእ-ፓርቲታት ፖለቲካ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ብመንፅር ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ተሳትፎ ዜጋታት ብዘረጋገፀ መገዲ ናፃ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛሪቦም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፣ኢትዮጵያ ብሄራዊ ሓድነት ፓርቲን ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲን፥ ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ሃገራዊ ዘተ ተሳትፎ ንምግባር ምድላዎም ተዛሪቦም።

ካብ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ  ኣይተ እዮብ መሳፍንት፥  እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ሰፊሕ ትኹረት ከምዝህብ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣብቲ ፓርቲ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ከም ሃገር ይኹን ፓርቲ ዝህልዎ ረብሓ ብዝምልከት ሰነዳት ከምዘዳለወን ኣብ ቀረባ እዋን ንኣባላትን ደገፍቲን እቲ ፓርቲ ዕላዊ ከምዝገብርን ገሊፆም።

ኣቦ መንበር ኢትዮጵያ ብሄራዊ ሓድነት ፓርቲ ኣይተ ዘሪሁን ገብረእግዚአብሄር ብግደኦም፥ እቲ ፓርቲ ንዘተ ዘድሊ ምድላው ኣብ ምግባር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢትዮጵያ ሶሻል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ኣይተ ኣሕመዲን በደዊ፥ እቲ ዘተ ኣሳታፊን ካብ ውግንና ናፃን ብምዃን ክካየድ ልዑል ድልየት ከምዘለዎ ኣፍሊጦም።

ብትዕግስቲ  ኣብርሃም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.