Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ጋንታታት ሴኔጋልን ሞሮኮን ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ውድድር ርብዒ ፍፃመ ተፀምቢረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ጋንታታት ሴኔጋልን ሞሮኮን ኣብ ካሜሮን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፈን።

ትማሊ ምሸት ሰዓት ሓደ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ንኬፕ ቬርዴ 2 ን 0 ብምስዓር ናብ ውድድር ርብዒ ፍፃመ ክትፅምበር ክኢላ፡፡

ሴኔጋል ፀብለልታ ኣብ ዘርአየትሉ እቲ ፀወታ፥ ሳዲዮ ማኔን ባምባ ዲዬንግን ድሕሪ ዕረፍቲ ነተን ሽቶታት ኣቑፂሮምወን፡፡

ኣብቲ ፀወታ ክልተ ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርዴ ብቀይሕ ካርዲ ዝተሰናበቱ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ውድድር ኣብ ሓደ ፀወታ ክልተ ተፃወትቲ ብቀይሕ ካርዲ ዝሰኣነት ሃገር ኮይና፡፡

ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ብዝተገበረ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮን ንማላዊ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡

መርሃ ግብሪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እውን ዝቕፅል እንትኸውን፥ ምሸት ሰዓት ሓደ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ኣይቮሪኮስት ምስ ግብፂ፤ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ድማ ማሊ ምስ ኢኳቶሪያል ጊኒ ክራኸባ ኢየን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.