Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ “ንኹልና እትጥዕም ኢትዮጵያ ብሓባር ንፍጠር” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኮሚቴ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ዘዳለውዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብዛ ሃገር ዝፍጠሩ ፀገማት ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ኮይንኻ ብምዝርራብ ምፍታሕ ከምዝከኣል ንምርኣይ ዓሊሙ ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ መንግስቲ ሃገራዊ ምርድዳእ ንክህሉን ዘላቒ ሰላም ንምፍጣርን ዓሊሙ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም፣ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ተወከልቲ ትካላት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ተወከልቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ይሳተፉ ኣለዉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.