Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ፈተና 8ይ ክፍሊ 2012 ዓ.ም ካብ 1 ከሳብ 30 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገር ለኸ ፈተና 8ይ ክፍሊ 2012 ዓ.ም ካብ 1 ከሳብ 30 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ክልላት ዘውፀኦ መርሃ ግብሪ መሰረት ብምግባር ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትምህርቲ ኣይተ ሚሊየን ማቲዮስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ ዝነበረ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ብእዋናዊ ጉዳይ ምኽንያት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናወሐ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂኦም፥ እቲ ፈተና ድሕሪዝተወሰነ እዋን ዝወሃብ ስለዝኾነ ተምሃሮ ምድላዎምኣጠናኺሮም ንኽቕፅ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ካብ ዝተወሰና ክልላት ወፃእ ተምሃሮ 8ይን 12ን ክፍሊ ን45 መከሓሓሲ ትምህርቲ እናተውሃቦም ምፅንሑ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ መከሓሓሲ ትምህርቲ እናተዛዘመ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ 23013 ዓ.ም ልዕሊ 800 ሺሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ከምዝወስዱ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ነዚ ድማ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነን ተምሃሮን ኣቢያተ ትምህርቲን ኣድላዪ ምድላው ንኽገብሩን ሓቲቶም።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.