Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ናብ መዋጥር ንምእታው ፈቲኖም ዝነበሩ ሓይሊታት ስግኣት ናብ ዘይኾኑሉ ብርኪ በፂሖም- ጄኔራል ኣበባው ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገርና ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ናብ መዋጥር ንምእታው ፈቲኖም ዝነበሩ ሓይሊታት ስግኣት ናብ ዘይኾኑሉ ብርኪ ኣብፂሕናዮም ኢና ከብሉ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም።

ማእኸል መሰልጠኒ ኮማንዶን ኣየር ወለደን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት እቲ እዚ ብምምልማል ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣመራርሓ ዘሰልጠኖም መበል ካልኣይ ዙር ታሕተዎት ኣመራርሓ ኣመሪቑ።

ጄኔራል ኣበባው፥ ምዕባለ ሃገር ዘይደሊዩሓይሊታት ብባዕሎም ዝኣበዮም ፅንፈታት ብምውፋር ሃገር ንምብታን እንተፈተኑ እወን ብሰራዊት ምክልኻልን ደገፍ ህዝብን ሕልሞም ከምዝመኸነ ገሊፆም።

ሃገርና ንምፅናዕ ብመሰረት ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ ዝመፅአ ሰላም ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት እዛ ሃገር ዝመፅኡ መጥቃዕቲታት ንምምካት ዘኽእል ዝተማልአ ወተሃደራዊ ቁመና ተሃኒፁ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ሃገር ናብ መዋጥር ንምእታው ፈቲኖም ዝነበሩ ሓይሊታት ስግኣት ናብ ዘይኾኑሉ ብርኪ በፂሖም ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.