Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲታት ማይ ከርሰ ምድሪ ብሓባር ናይ ምልማዕ መርአዪ ክኾኑ ይግባእ – ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲታት ማይ ከርሰ ምድሪ ብሓባር ናይ ምልማዕ መርአዪ ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

ኣባል ሃገራት ትካል ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዶብ ተሳገርቲ ሃፍቲታት ማይ ከርሰ ምድሪ ብሓባር ብምልማዕ ክጥቀማሉ ኣብ ዝኽእላሉ ፕሮግራም ተረባሕነት ኣጠቓቕማ ማይ ጠሚቱ ኣብ ክልል ሶማሌ ወረዳ ሸበሌ እናተዛተያ ይርከባ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)፥ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ተመሳሳሊ ባህሊ፣ ቋንቋን ሃይማኖትን ከምዘለወንን ወነንቲ ዓሚቕ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪን ከምዝኾና ገሊፆም፡፡

እዚ ሃፍቲ ብሓባር ኣልሚዐን ብምጥቃም ጠለብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዜጋታተን ክፈትሓ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ሚኒስትራት ማይ ጁቡቲ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ብግደኦም፥ ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪ ከባቢ ዶብ ብሓባር ኣልሚዕኻ ኣብ ምጥቃም ቆራፃት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብጎህ ንጉሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.