Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲታት ተፈጥሮ ንኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምውዓል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝቕፅሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ንኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምውዓል ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዝቕፅሉ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።

በተን ሚኒስትር ዝተመርሐ ልኡኽ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ስራሕቲ ሓገዝን ክትትል እናሳለጠ ይርከብ።

ኣብ ዞባ ቤንች ሸኮ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ዝተዓዘባሉ እዋን ከምዝበለኦ÷ ንስራሕቲ ሕርሻ ምቹው ካብ ዝኾነ ሃፍቲ መሬት፣ ማይን ደኒን ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ብግቡእ ብምልማዕ ምጥቃም ይግባእ፡፡

ሓረስቶት ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምልማዕ ንምጥቃም እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ኮይኒ ኢኮኖሚ ንኽሕግዝ÷ ኣብቲ ከባቢ መሰረተ ልምዓት ምምላእ ከምዝግባእ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.