Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲ መዓድን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ቅድሚት ተዋሂቡዎ እናተሰርሐ ይርከብ – ኢ/ር ሃብታሙ ተገኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲ መዓድን ብግቡእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ቅድሚት ተዋሂቡዎ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ገሊፆም።

ኢንጂር ሃብታሙ፣ ሚኒስትር ዴኤታ መዓድን ሚሊዮን ማቴዎስን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉን ኣብ ወረዳ ዲማ ተረኺቦም ስራሕቲ ኩባኒያ ማይኒንግ ኢግኖ ተዓዚቦም።

መካየዲ ስራሕ እቲ ኩባኒያ፥ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ምንቅስቓስ እቲ ኩባኒያ ነቶም ሚኒስትራት መብርሂ ሂቦምዎም፡፡

እቲ ኩባንያ ልዕሊ 10 ዓመት ኣብ ክልል ጋምቤላ ወረዳ ዲማ ኣለሻ ወርቂ ብምክያድ ኣብዚ ሕዚ እዋን 132 ጎዳጉዲ ብምኹዓት መፅናዕቲ ገይሩ ስራሕቲ ምፍላይን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ህንፀትን ምስርሑ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሚኒስትር መዓድን ኢንጂር ሃብታሙ ተገኝ፥ ሃፍቲ መዓድን ብግቡእ መገዲ ንረብሓ ህዝቢን ሃገርን ንምውዓል ከም ሃገር ቅድሚት ትኹረት ተገይሩሉ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ሕብረተሰብን ሃፍቲ መዓድን ንልምዓት ሃገር ንኽውዕል ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.