Fana: At a Speed of Life!

ሃፍቲ ብምዕቋር ንምጥቃም ዘኽእል ስርዓት ምምሕዳር በጀት ወፃኢ ከምዘድሊ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲ ብምዕቋር ንምጥቃም ዘኽእል ስርዓት ምምሕዳር በጀት ወፃኢ ከምዘድሊ ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ቴክኒክን ሞያን ዶክተር በከር ሻሌ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ማዕቐፋት ማክሮ ኢኮኖሚን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ብምተኳር መድረኽ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓለፍቲ ስራሕ ቤጥ ዕዮ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ከምኡ እውን ኣመራርሓታት ምምሕዳር በጀት ፋይናንስ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣብ ማዕቐፋት ማክሮ ኢኮኖሚ ዘድሃቡ ቀፀልቲ ኣንፈታት መብርሂ ተዋሂቡ ምይይጥ ተገይሩ፡፡

ዶክተር በከር ሻሌ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ከም ሃገር ዝተገበረ ትካላዊ ለውጢ ወዳበ ወፃኢ ዝንኪን ውፅኢታዊ ፍሰት ስራሕን ንኽህሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓሬታ የረድእ፡፡

ስለዝኾነ ዓለም ለኸ ፅዕንቶታትን ሃገራዊ ነባራዊ ኩነታትን ምፅዋርን ሃፍቲ ብምዕቛር ንምጥቃም ዘኽእል ስርዓት ምምሕዳር በጀት ወፃኢ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.