Fana: At a Speed of Life!

ህልኽን ነቓፅ መርገፂን ዝወለዶ ከይዲ መረፃ ጠጠው ብምባል ህዝቢ ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ነድሕን – ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣወንታዊ ተግባር

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህልኽን ነቓፅ መርገፂን ዝወለዶ ከይዲ መረፃ ጠጠው ብምባል ህዝቢ ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ነድሕን ክብል ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣወንታዊ ተግባር ፀዊዑ።

እቲ ጥምረት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ መ6ይ ሃገራዊን ክልላዊን መረፃ ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝተናወሐ ይኹን እምበር ካብ ካልኦት ክልላት ብዝተፈለየ ምልክዑ ኣብ ክልል ትግራይ መረፃ ንምክያድ ምሽብሻብ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ተግባር ድማ ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘቃልዕ፣ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዘሎ ሰናይ ርክብ ናብ ቅርሕንቲ ዘእቱ፣ ከምኡ እውን እቲ መረፃ ስዒቡ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ናዕቢታት ንኽፍጠሩ ከምዝዳርግ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

ብምዃኑ ድማ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብወከልቶም ኣቢሎም ዘሕለፉዎ ውሳነ ብምንዓቕ ጥሒስካን ኣጭበርቢርካን ዝግበር መረፃ ካብ ከስቡ ክሳርኡ ዝለዝምዝን ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ኢዩ እቲ ጥምረት ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሉ ዓቕምና ኣብ ወፍሪ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክነውዕል ይግባእ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ህልኽን ነቓፅ መርገፂን ዝወለዶ ከይዲ መረፃ ጠጠው ንምባል ኩሎም ተጋሩ ክረባረቡ ይግባእ ኢሉ።

እዚ ክበሃል ከሎ ግን መሰል ዓርሰ ምሕደራ ንምቅዋም ከምዘይኮነ ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቫይረስ ኮሮና ክሳብ ዝንኪ ኣብ ርእሰ ምሕደራ ትግራይ ህወሓት ንኽመርሕ ዝወሰነ ይኹን እምበር፥ ህወሓት ዘቕርቦም ዘሎ መደናገርቲ ሓሳባት ምኽንያታዊ ስለዘይኮኑ ኢቲ ፃውዒት ንምቕራብ ከምዝተገደደ እቲ ጥምረት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ናይ ህልኽን ምድንጋርን ቅስቀሳ መረፃ ጠጠው ክብል ብምግባር፥ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ነድሕን ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.