Fana: At a Speed of Life!

ህንዲ ንጎንፂ ዩክሬን ግጭት ኩለመዳይ መፍትሒ ክወሃብ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንዲ ንጎንፂ ዩክሬን ግጭት ኩለመዳይ መፍትሒ ክወሃብ ሓቲታ።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝተኻደ ኣኼባ፥ ኒው ዴልሂ ኣድላይነት ዘተን ዲፕሎማሲን ኣልዒላ።

ስዑድ ዓረብ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ጠሚታ ኣብ ዘሰናደአቶ ዘተ ሰላም ዝተረኸቡ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ህንዲ ኣጂት ዶቫል፥ ኒው ዴልሂ እቲ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ብሕታዊ ኣማራፂ ልዝብ ዲፕሎማሲን ኢዩ ኢላ ከምትኣምን ገሊፆም።

ኣጂት ዶቫል÷ ህንዲ ነቲ ፀገም ሰላማዊን ዘላቒን መፍትሒ ንምርካብ ዘለዋ ቆራፅነት ከምዘረጋገፁ እውን ኣመልኪቶም።

ጎንፂ ዩክሬን ብብርኪ ዓለም ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፍላተ ሃገራት ዓለም ዘሕደሮ ፅዕንቶ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ዝተልዓለ ድማ ህንዲ ንዩክሬን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምተቕርብን ኣብ ደቡብ ንዘለዋ ጎረባብታ ኢኮኖሚያዊ ሓገዝ ከምትህብ እቶም በዓል መዚ ምግላፆም ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.