Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ማእኸል ሲዲሲ ኣፍሪካ እናተጠናኸረ ንዝመፅአ ምትሕብባር ኣፍሪካ -ቻይና ርኡይ ኣብነት ኢዩ – ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህንፀት ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት ኣብ ኣፍሪካ (ሲዲሲ) እናተጠናኸረ ንዝመፅአ ምትሕብባር ኣፍሪካ -ቻይና ርኡይ ኣብነት ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ ገሊፆም።

ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ዋና ቤት ዕዮ ማእኸል ሲዲሲ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ ኣብቲ ስነ-ስርዓት መረቓ ከምዝገለፁዎ÷ ህንፀት እቲ ማእኸል እናተጠናኸረ ንዝመፅአ ምትሕብባር ኣፍሪካ -ቻይና ርኡይ ኣብነት ኢዩ፡፡

ቻይና ንኣፍሪካ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እውን እቶም ሚኒትር ኣረጋጊፆም።

ብፍላይ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት መገዲ፣ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ዲጂታል ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን ሓገዝ ከምትገብር ገሊፆም።

ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ሃገራት ኣፍሪካ ዘለወን ተሰማዕነት ንኽረጋገፅ ቻይና ሓገዛ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እውን ኣብሪሆም።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.