Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ኣርባዕተ ፕሮጀክታት መስኖ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ ወርሒ ታሕሳስ ህንፀት ኣርባዕተ ፕሮጀክታት መስኖ ከምዝጅመር ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ።

ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ ሚኒስቴር ኣይ ብዙነህ ቶልቻ ከምዝበሉዎ፥ እቶም ፕሮጀክታት መስኖ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ዓፋር፣ ሶማሌን ሲዳማን ክህነፁ ኢዮም።

ህንፀት እቶም ፕሮጀክታት እንትዛዘም ድማ ልዕሊ 19 ሺሕ ሄክታር መሬት ብምልማዕ ልዕሊ 38 ሺሕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ከምዝገብሩ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቶም ፕሮጀክታት÷ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ፈንታሌ፣ ግድብ ሎት 1 ሎጊያን ተተሓሓዝቲ ስራሕቲን፣ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ከርሰ ምድሪ ማይ ሽንሌን ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ የማናይ ክፍሊ ሎት 2 ጊዳቦን ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.