Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ፋብሪካ መፍረዪ ወርቂ ኩምሩክ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝርከብ ህንፀት ፋብሪካ መፍረዪ ወርቂ ኩምሩክ ብዕሊ ከምዝመረ ተገሊፁ።

ህንፀት እቲ ፋብሪካ ሚኒስቴር መዓድንን ኢነርጂን ኢንጂነር ታከለ ኡማን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ብሓባር ኣጀሚሮምዎ።

እቲ ፋብሪካ ስራሕ እንትጅምር ኣብ ዓመት 7 ሺሕን 500 ኪሎ ግራም ወርቂ ዘፍሪ እንትኸውን፥ 355 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ከምዝግበረሉ ተሓቢሩ፡፡

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝካየደሉ ልዑል ክዙን ፍርያት ከምዘሎ ብመፅናዕቲ ስለዝተረጋገፀ እቲ ፕሮጀክት ቀፀልቲ ክፍሊታት ክህልዉዎ ኢዮም ተባሂሉ።

ህንፀት እቲ መፍረዪ ወርቂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዚሙ ናብ ፍርያት ዝኣቱ እንትኸውን፥ ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕ ናብ ስራሕ እንተኣቱ ድማ ንልዕሊ 750 ዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.