Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት 5 ሺሕ ገዛውቲ ኣብ ሓደ ወርሒ ክዛዘም ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ አበባ፣ ሕዳር 2፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብበጀት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህንፀቶም ዝተጀመሩ 5 ሺሕ ገዛውቲ ህንፀቶም ኣብ ሓደ ወርሒ ከምዝዛዘም ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣፍሊጠን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ሎሚ ካልኣይ መዓልቲ ዑደት ፕሮጀክታት ህንፀት ክልተ ሪፈራል ሆስፒታላት፣ ገዛውቲን ማእኸል ዕዳጋታትን ዝርከቡሉ ብርኪ ህንፀት ተዘዋዊረን ከምዝተዓዘባ ገሊፀን።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሞንጎ ዝተሃነፁ ሆስፒታላት ዕዙዛት ከምዝኾኑ ዝገለፀኦም፤ ሪፈራል ሆስፒታል ቤተል-መንዲዳን ሪፈራል ሆስፒታል ላፍቶ ህንፀቶም ኣብዚ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ከምዝዛዘሙ ኣመልኪተን።

ህንፀት እቶም ሆስፒታላት እንትዛዘም ካብ ዝህቡዎ ማሕበራዊ ረብሓ ብተወሳኺ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ዝገብሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ኣብታ ከተማ ዘሎ ሕፅረት ገዛውቲ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብበጀት እቲ ምምሕዳር ከተማ ህንፀቶም ዝተጀመሩ 5 ሺሕ ገዛውቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝዛዘም ገሊፀን፡፡

ተገጣጠምቲ ገዛውቲ ኣቃቂ ህንፀቶም ሙሉእ ብሙሉእ ዝተዛዘሙ 400 ገዛውቲ ከምዝተመልከታ እውን ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.