Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ንምድምሳስ ድልዋት ከምዝኾኑ ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ንምድምሳስ ድልዋት ከምዝኾኑ ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም።

እቶም ፓርቲታት፥ ናይ ኢትዮጵያ ነጻነት ፓርቲ፣ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ኣንድነት ፓርቲ፣ ኣዲስ ትውልድ ፓርቲ፣ ራያ ራዩማ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲን ህዳሴን ኢዮም።

እቶም ፓርቲታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ህወሓት ንምድምሳስ ድልዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ህወሓት እንተዘይተወጊዱ ሃገር ሰላም ስለዘይትኸውን ህዝቢ ትግራይ እወን ብኣሸባሪ ጉጅለ ዝበፅሖ ስቓይ ደው ክብለሉ ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዘትረፎ ፀገምን ሀልቀትን እንበር ካሊእ ነገር የብሉን ኢሎም።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገር ንምፍራስ ኣብ ዝከፈቶ ሰለስተ ኣንፈታት ኲናት ህፃናት፣ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ ኣረጋውያንን ኣቦታት ሃይማኖትን ብቕድሚ ብምስላፍ ዓለም ለኸ ሕጊ ብዘይፈቕዶ ትሕቲ 15 ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ዝተፈላለዩ መዐወንቲ እፅታት ብምጥቃም ኲናት የካይድ ከምዘሎ ገሊፆም።

ስለዝኾነ መነግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ብምቕባል ህወሓት ንምድምሳስ ድልዋት ከምዝኾኑ ሓሙሽተ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም።

 

ብምንይችል ኣዘዘው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.