Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣሰቀቕቲ ገበናት ምፍፃሙ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዓለም ለኻዊ ድንጋገታት ሕጊን ሰብኣዊ ሕጊታትን ብምጥሓስ ኣሰቀቕቲ ገበናት ምፍፃሙ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኣብቶም ዝተሓበሩ ቦታታት ዝተፈፀመ ገበን ምርመራን ውፅኢት ቀዳማይ ብርኪ ርካቦትን ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ እቶም ገበናት ኣብ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ጎንደር ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ከምኡውን ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ዝተፈፀመ እንትኸውን፥ ምርመራ ዝተኻየደ እተን ከባቢታት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ተታሒዘን ኣብ ዝነበራሉን ድሕሪኡን ብወፍሪ ምኽባር ሕጊ ነፃ ኣብ ዝወፅኣ ከባቢታትን ኢዩ ኢሉ።

እቲ ገበን ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ላይ ጋይንት፣ ምምሕዳር ከተማ ንፋስ ማውጫ፣ ወረዳ በጌምድር ጉና፣ ፋርጣ ወረዳ፣ እስቴ ወረዳ ብኽፋል/፣ ደብረታቦር ከተማ  /ብኽፋል/፣ ዞባ ሰሜን ጎንደር ድማ ኣብ ዳባት፣ ደባርቕን ዛሪማን ንዑስ ወረዳታት  ከምኡውን ኣብ ዓፋር ክልል ጋሊኮማ ቀበሌ ኣብ ዝርከቡ ተፈናቐልቲ መዓስከራትን ኣብ ትሕቲ ዞባ ፈንቲረሱ ዝርከባ ወረዳታት አውራን ጉሊናን ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑን ሰለማዊያንን ሰባት ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ብዝርዝር መረዳእታ ዝተፈለዩ 96 ሰባት ሞት፣ 53 ኣካል ጉድኣት፣ 29 ኣገዲድካ ምድፋር፣ 11 ኢ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፣ 6 ምዕጋት ከምኡወን ንብረታት ዝተፈላለዩ ትካላት ሃይማኖት፣ መንግስቲን ግሊን መጠነ ሰፊሕ ዘረፋን ዕንወትን ከምዝፈፀመ ተረጋጊፁ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ወረዳታት ድማ ብድምር 129 ሰባት ሞት፣ 54 ሰባት ኣካል ጉድኣት፣ ኣብ ከተማ ንፋስ ማውጫ ጥራሕ 73 ደቂ ኣኒስቲዮ ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ንብረት ብዙሓት ውልቀ ሰባት ውድመት በፂሑ።

ኣብ ክልል ዓፋር 29 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ኣብ መዕቐሊ ጣቢያ ጋሊኮማ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 240 ሞት፣ 42 ሰባት ጉድኣት ኣካል ዝበፅሖም እንትኾን፥ ኣብ ዝተረፉ ሰለስተ ወረዳታት ድማ 17 ሰባት ሞትን 17 ሰባት ጉድኣት ኣካልን ከምኡ እውን 7 ደቂ ኣንስትዮ ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ከምዝተፈፀመለን ተረጋጊፁ፡፡

ሓንቲ ሰበይቲ ክሳብ 15 ሰባት ብምዃን እናተፈራረቑ ብምድፋር፣ ኣዶን ውላድን ኣብ ሓደ ብምድፋር፣ ካብ ተፈጥሮ ተፃራሪ ዝኾነ መጥቃዕቲ ምድፋር ምፍፃም፣ ውላዳት ኣብ ቅድሚ ኣደታተን ምድፋር፣ ድሕሪ ምድፋር ድማ ብጠመንጃ ብምውጋእ ተጠቃዕቲ ፌስቱላ ክኽትከውን ምግባር፣ ጓል 8 ወርሒ ዕሸል ህፃን ጓላ ናብ ዝፈልሐ ማይ ክነእትዋ ኢና ብምባል ብምፍርራሕ ምድፋርን ይርከቦ፡፡

ከምኡ እውን ሓንቲ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነብሰ ፁር ሰበይቲ ንሰለስተ ኣገዲድካ ምድፋር፣ ገበን ምድፋር ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንፀገም ጥዕና ኣባላዘርን ስነ-ኣእምሮን ተቓላዕቲ ምግባር፣ ዝተፈለየ ፅዕንቶ ስነ-ልቦና ንምብፃሕ ብዝብል ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብርታት ማሕበረሰብ ዝኾኑ ደቂ ካህናትን ቆረብቲ ፈለስቲን ፈሊኻ ኣገዲድካ ምድፋር፣ ኣብ ክልል ዓፋር ደቂ ኣንስትዮ ንነዊሕ እዋን ዓጊትካ ብምፅናሕ ኣገዲድካ ምድፋር ብተደጋጋሚ ብምፍፃምን ሓገዝ ሕክምና እንተይረኸባ ክፀንሓ ብምግባር ምስዳድ ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ደባርቕ ቀበሌ ኣብራሃም መዋቲ ዘለቀ ኣስመራ ዝተብሃለ ኣቦ ኣብ ቅድሚ ህፃን ውላዱ ክሳዱ ብምሕራድ ሰለስተ ደቁ እግሩን ኢዱን ንኽሕዙ ብምግባር ካብ ክሳዱ ክሳብ ከብዱ ኣብ ቅድሚ ደቁ ብሳንጃ ኣካሉ ምቕዳድ፣ መንበሪ ኣባይቲ ማሕበረሰብ መቕበሪን ዝሞቱን ኣባላት እቲ ግብረ ራዕዲን መናፅሂን ከምኡ እውን መብሰሊ ምግቢ ብምጥቃም፣ ኣባይቲ ምፍራስ፣ ሰባት ብምዕጋት ዘስካሕኽሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምፍፃም።

ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ዘረፋ ምፍፃምን ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕናውን ካብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ሓሊፉ ብገበን ኣገዲድካ ምድፋርን ጉድኣት ኣካል ዝበፅሖም ተጎዳእቲ ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ምግባር፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ባንኪታት፣ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም፣ ናውቲ ሓይሊ መብራህቲ ምዝራፍን ጉድኣት ምብፃሕን። ኣብ ክልል ዓፋር ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህፃን ጡብ ኣዲኡ ምስ ሓዘ ብኸቢድ መሳርሒ ምስ ኣዲኡ ተወቒዑ ተቐቲሉ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.