Fana: At a Speed of Life!

ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዓቕመ ደካማታት ብምሕጋዝ ንኸሕልፍ ኣቦታት ሃይማኖት እስልምና ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ዓቕመ ደካማታት ብምሕጋዝ ንኸሕልፍ ኣቦታት ሃይማኖት እስልምና ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስን ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን ፀዊዖም።

ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስን ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን መበል 1 ሺሕን 443 በዓል ዒድ ኣል-ኣአድሃ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ህዝበ ሙስሊም ፅባሕ ኣብ ብመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብድምቀት ዝኽበር በዓል ዓረፋ ብሰላም ወፂኡ ኣኽቢሩ ብሰላም ንኽምለስ ሓቲቶም፡፡

ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስን ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን ብሓባር ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ፥ ሰላም ንኹሉ መሰረት ስለዝኾነ ኩሉ ንሰላም ዘብዒ ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

በዓል ዓረፋ ብፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነታዊነትን ንኽኽበር ህዝበ ሙስሊም ኢትዮጵያዊ ሓድነቱን ሕውነቱን ክሕሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ዓቕመ ደካማታት ብምሕታት፣ ዝጠመዩ ብሕጋዝ፣ ዝዓረቑ ብምኽዳን ንኸሕልፍ ከምዝግባእ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት እስልምና ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.