Fana: At a Speed of Life!

ህዝበ ሙስሊም ነቲ ብዓል ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንከኽብር ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝበ ሙስሊም ነቲ ብዓል ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንከኽብር ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ጠሚቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንመላእ ሰዓብቲ አምነት አስልምና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ህዝበ ሙስሊም ነቲ ብዓል ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንከኽብር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ከምዝተዛዘመን ናብ ተግባር ከምዝተኣተወን ድማ ገሊፁ።

ንሰላምን ድሕንነትን ዕንቅፋት ክኾኑ ንዝኽእሉ ንምእላይ ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታ ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅልን ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፅታ ብምስላፍ ኣድላዪ ምትሕብባር ንክገብርን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብምቕዳም ዘላቒ ሰላም ሃገርና ንምንጋስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓላፍነት ብምውሳድ ግደኦም ዝዋፅኡ ዘለዉ ኣመራርሓን ኣባላትን ፀፅታ ምስገንኡ ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.