Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢን ሰራዊትን እንድሕር ተናቢቡ ጉጅለ ፀረ-ሰላም ራዕዲ እናፈጠረ ዝፀንሐሉ ዕድመ ዕድመ ኣይህልዎን – ሌ/ጄ ዘውዱ በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢን ሰራዊትን እንድሕር ተናቢቡ ጉጅለ ፀረ-ሰላም ራዕዲ እናፈጠረ ዝፀንሐሉ ዕድመ ዕድመ ኣይህልዎን ክብሉ ዋና ኣዛዚ እዚ ማእኸላይ ሌተናል ጄነራል ዘውዱ በላይ ገሊፆም።

ላዕለዎት ኣመራርሓ እዚ ማእኸከላዊ ካብ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ወለጋ ምስ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኮንፈረንስ ሰላም ኣካይዶም።

ዋና ኣዛዚ እዚ ማእኸላይ ሌተናል ጄነራል ዘውዱ በላይ ከምዝበሉዎ፥ ዘጋጥሙ ፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ህዝቢን ሰራዊትን ተናቢቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡

እዚ እንተኾይኑ ድማ ንሰላም ዕንቅፋት ዝኸውን፣ ናፅነቱ ዝገፍፍ፣ ብሓይሊ ዝፈታተኖን ንልምዓቱ ዕንቅፋት ዝኾነን ጉጅ ፀረ-ሰላም ራዕዲ እናፈጠረ ዝፀንሐሉ ዕድመ ከመዘይህልዎ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ፥ ወታደር ኣፈላላይ አመለኻኽታ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ናይ ምቅዋም ዕላማ ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ፓለቲካ ኣፈላላዩ ዘሰጉም ጠበንጃ ተሓንጊጡ እንድሕር ኮይኑ ንድሕንነት ሃገር ሰላም ህዝቢታትን ክብል ሰራዊት እንተይደለየ ናብ ኲናት ንምእታው ከምዝግደድ ገሊፆም፡፡

“እዚ ከይኸውን ኣፈላላያት ብሰላማዊ መገዲ ንፍታሕ” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ማሕበረሰብ ንሰራዊት ምክልኻል ሓበሬታ ብምቕባልን ፀላኢ ኣቃሊዑ ብመሃብን ናይ ባዕሉ ሓላፍነት ንኽዋፃእ ፃውዒት ምቐራቡ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.