Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ኣብ ስርዓት ፍትሒ እምነት ንክህልዎ ብፅርየት ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኣብ ስርዓት ፍትሒ እምነት ንክህልዎ ብፅርየት ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብ ክልል ሃረሪ ክካየድ ዝቐነየ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ መውፃእቲ ሕጊ ተዛዚሙ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ታገሰ ጫፎ፥ ህዝቢ ኣብ ስርዓት ፍትሒ ተቓውሞ ስለ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝለዓል ፀገም ፅርየት ንምቕራፍ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኽተሉ ትካላት ፍትሒ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።

ህዝቢ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ፍትሒ እምነት ንክህልዎ እተን ትካላት ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፅርየት ዘለዎ ኣገልግሎት ምሃብ ትፅቢት ከመዝግበረለን እውን ተዛሪቦም።

ስርዓት ፍትሒ ምዝማን ንሰላምን ፀፅታን እዛ ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ስርዓት ፍትሒ እምነት ንክህልዎ ብፅርየት ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.