Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ኦሮሞ ዝረኸቦ ለውጢ ክቕፅል ብምግባር ሰላሙ ክሕሉ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ኦሮሞ ዝረኸቦ ለውጢ ክቕፅል ብምግባር ሰላሙ ክሕሉን ሓድነቱ ከጠናኽርን ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡

ካብ ኣርባዕቲአን ዞባታት ወለጋ ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፉሉ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ስታዲየም ወለጋ ተኻይዱ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብ ሰላም፣ ሓድነትን ናፅነት ኢኮኖሚን ኣብ ምርግጋፅ ዝጠመቱ ሓሳባት ኣልዒሎም።

ህዝቢ ኦሮሞ ዝረኸቦ ለውጢ ክቕፅል ብምግባር ሰላሙ ክሕሉን ሓድነቱ ከጠናኽርን ከምዘለዎ እውን ገሊፆም፡፡

ሕብረተሰብ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሰላም ከቐፅሎ ከምዝግባእ መልእኽቲ ምምሕልላፎ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.