Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ካብ ስኑዕ ሓበሬታ ብምርሓቕ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ ክልል ንምህናፅ ንክረባረብ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ሰላም ሙሉእ ንክኸውን  ካብ ስኑዕ ሓበሬታ ብምርሓቕ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ ክልል ንምህናፅ ንክረባረብ ፃውዒት ቀሪቡ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ እዋናዊ ኩነታት ጠመተ ብምግባር መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ፥ ኣብ ቀፃሊ ልምዓት ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ሰላም ንምርግጋፅን ውሽጣዊ ሓድነትን ውሽጣዊ ሰላምን ብዝበለፀ ምፅናዕን ይግባእ ኢሉ።

ቀንዲ ሸቶ ምኽባር ሕጊ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ምርግጋፅ ኢዩ ክብል ገሊፁ።

ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ዝተረጋገዐ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን ንመፃኢ ወለዶ ዝተርፍ ኣሰር ንምንባርን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብ መግለፂ ኡ ሓቢሩ።

ዘይሕጋውነትን ስርዓት ኣልቦነትን ከም ህዝቢ ዘይምርግጋዕ ዘስዕብ ስለዝኾነ ምቁፅፃር እንተዘይተኻኢሉ ኩሉ ነገር ደረጃብደረጃ ካብ ኢድ መንግስቲን ህዝብን ንክወፅእ ከምዝገብር ገሊፁ።

ስለዝኾነ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንከይፍጠርን እንተጋጥም ንምቁፅፃርን መንግስቲ ተፅቢት ዝግበረሉ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክሰርሕ ኢዩ ኢሉ።

ይኹን እነበር ውሱናት ጉጅለታትን ውልቀሰባትን መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ልቦና ናይ ምስፋሕ ተግባር ንጎድኒ ብምግዳፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይግቡእ ዘይሕጋዊ ተግባር ይፍፅሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ዕለታዊ ተግባሩ ንህዝቢ ተበፃሒ ንከይኸውን ዕንቅፋት ይፈጥሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ህዝቢ ካብ ስኑዕ ሓበሬታ ብምርሓቕ ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ ክልል ንምህናፅ ንክረባረብ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.