Fana: At a Speed of Life!

ህዝብና ፍልፍል ጅግንነትና ኢዩ – ጀነራል ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህዝብና ፍልፍል ጅግንነትና ኢዩ” ክብሉ ዋና ኣተሓባባሪ ህንፀት ሰራዊት ሚኒስቴር ምክልኻል ጀነራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም።

“ምስ ህዝብና ኮይንና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከኣቱ ኢየ ኢሉ እናፈከረ ዝነበረ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ዝወረሮ መሬት ንኽቕበር ገይርናዮ” ኢሎም።

ጀነራል ባጫ ደበሌ እዚ ዝበሉ ኣባላት ዳያስፖራ ንደቂ ዝተሰውኡን ዝቖሰሉን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ምንቅስቓስ ኣብ ዝጀመሩሉ መድረኽ ዘተ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ጀነራል ባጫ ከምኡ እውን ኣባል ነበር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣባል ቦርድ ማሕበር ህፃናት ኣምባ ብሄራዊ ጀጋኑን ብርጋዴር ጀነራል ካሳየ ጨመዳ፣ ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ዶክተር ኣዳሙ ኣንለይን ኣባላት ዳያስፖራን ተረኺቦም።

ጀነራል ባጫ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእቲ፥ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ኲናት ብጦር መሳርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዲፕሎማሲን ኢኮኖሚን እውን ዝፍታሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢንወፃኢን ፀላእቲ ተዋዲዶም ዝኸፈቱዎ ከምዚ ዝበለ ኲናት ኣብ ታሪኻ ገጢሙዋ ኣይፈልጥን ዝበሉ እቶም ጀነራል፥ እዚ ንምምካት ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን “ኢትዮጵያ ኣይትብተንን” ብምባል ብሓባር ጠጠው ኢሎም ዓወት ከምዘምፅኡ ገሊፆም።

ህዝቢ ብሓይሊ ሰብ፣ ብገንዘብን ስንቂን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ብምባሉ ‘ናብ ኣዲስ ኣበባ ከኣቱ ኢየ” ኢሉ እና ፈከረ ዝነበረ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝወረሮ መሬት ንኽቕበር ግደኦም ጉሉህ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዳያስፖራ ብግምባር ዲፕሎማሲን ኢኮኖሚን እናተዋገአ ዘኹርዕ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነን እዚ ኣጠናኺሩ ክቐፅል ከምዝግባእን ኣገንዚቦም።

የሀገር መከላከያ ሀገር ጠባቂ በመሆኑ ይህንን ሰራዊት መደገፍ አስፈላጊና ተገቢ ነው ብለዋል።

ሰራዊት ምክልኻል ሓላዊ ሃገር ብምዃኑ ነቲ ሰራዊት ምድጋፍ ኣድላዪን ግቡእን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ጀነራል፥ ብፍላይ ንደቂ ዝቖሰሉን ዝተሰውኡን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ቤት ትምህርቲ ኣጣይሽካ ምሕጋዝ ኣድላዪን ግቡእን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣባላት ዳያስፖራ ብግደኦም፥ “ዝመፃእናሉ ምኽንያት ብሄራዊ ግቡእና ንምውፃእ ስለዝኾነ ኣብ ዘድሊ ኩሉ ግቡእና ንምግባር ቆራፃት ኢና” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.