Fana: At a Speed of Life!

ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ትማሊ ንፈለማ እዋን ብዘይተሓካሚ ኮቪድ-19 ሓዲሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንክልተ ዓመታት ኮቪድ-19 ዝተረኸቦም ሕሙማት ተቐቢሉ እናሓከመ ዝፀንሐ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ትማሊ ናይ መወዳእታ ተሓካሚኡ ናብ ገዝኡ ብምፍናው ንፈለማ እዋን ብዘይተሓካሚ ኮቪድ-19 ሓዲሩ።

እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ፈላማይ ማእኸል ሕክምና ኮቪድ-19 ብምዃን ኣገልግሎት እናሃበ ምፅንሑ ይፍለጥ።

ትማሊ እውን ናይ መወዳእታ ተሓካሚ ናብ ገዝኡ ብምፍናው ብሰላም ከምዝተፋነወ እቲ ሆስፒታል ዘፍለጠ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋን ብዘይተሓካሚ ውዒሉ ከምዝሓደረ መካየዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ያሬድ ኣግደው ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣመልኪቶም።

“ድሕሪ ሕዚ ሃገር ብዝጎድእ መልክዑ ማዕበል ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ከይጎድእ ኩልና ብፅሒትና ክንዋፃእ ይግባእ” ክብሉ ዶክተር ያሬድ ኣተሓሳሲቦም።

ትማሊ ብብርኪ ሃገር ን3 ሺሕን 579 ምርመራ ላብራቶሪ ኮቪድ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 39 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም፡፡

ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣብ ኢትዮጵያ 7 ሺሕን 454 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ኣለዎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.