Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ተመሓይሹ ዝወፅአ መምርሒ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ተመሓይሹ ዝወፅአ መምርሒ ቁፅሪ 882/2014 ዕላዊ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን፣ ስጉምቲታት ጥንቃቐን ክታበትን ብዝምልከት ተመሓይሹ ዝወፅአ መምርሒ ኣመልኪተን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ መብርሂ ሂበን።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃርን ንምግታእን ዝተፈላለዩ መምርሒታትን ደምቢታትን ብምውፃእ ተግባራዊ እናተገበረ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ስጉምቲታት ጥንቃቐን ክታበትን ትኹት ዝገበረ ሓዱሽ መምርሒ ምውፃእ ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ድማ መምርሒ ቁፅሪ 882/2014 ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ተመሓይሹ ዝወፀአ ሓዱሽ መምርሒ ቅድሚ ሕዚ እናተተግበሩ ካብ ዝነበሩ ስጉምቲታት ጥንቃቐ ዝቐፀሉን ምምሕያሽ ዝተገበረሎምን ከምዘለዉ ተመልኪቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.