Fana: At a Speed of Life!

ለውጢ ዘምፅኡን ብቕዓት ዝውስኹን ስራሕቲ ክበረታትዑ ከምዝግባእ ሌተናል ጀመራል ባጫ ደበሌ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዋና መምርሒ ሕብረት ስልጠና ኮሌጅ ኣዛዛይን እስታፍን ኣብ ዝቐረበነ ክለሳ ፕሮግራም ካሪኩለም PSC ዘድሃበ ወርክሾፕ ተኻይዱ።

እቲ ክለሳ ካሪኩለም፥ ስትራቴጂክ ኣመራርሓን ዓቕሚን ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪን ድሕንነት ሳይቨርን ዘደንፍዕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ለውጢ ዘምፅኡን ብቕዓት ዝውስኹን መሰል ስራሕቲ ክበረታትዑ ይግባእ፡፡

“ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ካሪኩለም ብናይ ዓርሰ ዓቕሚ ዝተሰርሐ ብምዃኑ፤ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ክንደይ ዝኣክል ዓቕሚ ከምዘሎ ዘመላኽት ኢዩ” ኢሎም።

ሪፎርም ትምህርቲን ስልጠናን ካብ ታሕተዎት ኣመራርሓታት ክሳብ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ብዕቱብን ክትትልን ከምዝስረሐሉ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.