Fana: At a Speed of Life!

ሉኣላዊነት ምግቢና ንምርግጋፅ ንገብሮ ፃዕሪ ይዕወት ኣሎ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉኣላዊነት ምግቢና ብዘተኣማምን መልክዑ ንምርግጋፅ ንገብሮ ፃዕሪ ይዕወት ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ስርናይ መስኖ ሓጋይ እዚ ዓመት ዓሚ ካብ ዝሰራሕናዮ ብብዙሕ ይበልፅ፤ ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ውፅኢት እውን ኣዚዩ ዘዕግብ ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ግዘ ብምሕራስ ሉኣላዊነት ምግቢና ብዘተኣማምን መልክዑ ንምርግጋፅ ንገብሮ ፃዕሪ ይዕወት ኣሎ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብኹሉ ዓውዲ ንገብሮ ፃዕሪ ብዝበለፀ መሰረት ምዕባለ ዘንብር ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፅሑፎም ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.