Fana: At a Speed of Life!

ሊቢያ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ከምዝዓፀወት ተገይሩ ዝጋዋሕ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሊቢያ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኣ ከምዝዓፀወት ተገይሩ ዝጋዋሕ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ኣፍሊጣ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ኤምባሲ ኣብ ስራሕ ከምዝኾነን ዝናፈስ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾን እቲ ኤምባሲ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ዝተወሰና ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲኤን ከምዝዓፀዋን ንምዕፃው ኣብ ምድላው ከምዝኾናን ተገይሩ ዝጋዋሕ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እናተኻየደ ዝርከብ ፅዕንቶን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን ከምዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም፡፡

ካልኦት ተተሓሓዝቲ ሓበሬታታት ተፃሪዮም ናብ ህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበሩ እውን እቶም ኣቐባሊ ቃል ገሊፆም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.