Fana: At a Speed of Life!

ሊቢያ 600 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ግብፃውያን ናብ ሃገሮም ክትምልስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊቢያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝነብሩ 600 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ግብፃውያን ናብ ሃገሮም ከምትምልስ ተገሊፁ።

ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ፍልሰተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ድሕሪ ቀረባ እዋን ንሊቢያ ኣብ ዘተሓዳድሩ ክልቲኦም ምምሕዳራት ስምምዕነት ብምግባር ምስ ሚኒስቴር ውሽጢ ሃገር ርክብ ዘለዎ ዳይሬክቶሬት መከላኸሊ ዘይሕጋዊ ስደት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ተሓቢሩ።

ጉጅለ ፍልሰተኛታት ግብፂ ናብ ግዝኣት ሊቢያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምእታዎም ሕዚ ካብ ዝርከቡሉ ቀፅሪ ዳይሬክቶሬት መከላኸሊ ዘይሕጋዊ ስደት ናብ ዝመፅኡዎ ንኽምለሱ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።

መብዛሕተኦም ፍልሰተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑን 1 ሺሕን 375 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ብኣውቶቡሳት ተጓዒዞም ናብ ግብፂ መቋረፂ እስማድ ከምዝበፅሑ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ግብፃውያን ኣብ ሊቢያ ንዓመታት ዝነብሩ እንትኾኑ÷ ገለገሊኦም ብሊቢያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮፓ ንምስጋር ሓሲቦም ዝኣትዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ሊቢያ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ህንፀትን ካልኦት ዓውዲታተን ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ኢዮም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.