Fana: At a Speed of Life!

ሊዊስ ሱዋሬዝ ናብ ኢንተር ሚያሚ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡራጓዊው ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሉዊስ ሱዋሬዝ ኣብ ናይ ጥሪ ዝውውር ናብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢንተር ሚያሚ ንምፅምባር ከምዝተስማዕመዐ ተገሊፁ፡፡

ሱዋሬዝ ብሓደ ዓመት ውዕሊ ኮንትራት ናብ ሜጀር ሊግ ሶከር ንምምራሕ ብቃል ደረጃ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ዕላዊ ክታሙ ኣብ ቀረባ እዋን ክግለፅ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ስምምነዕነት ስዒቡ ድማ ሱዋሬዝ ኣብ ባርሴሎና ናይ ጋንታ መሓዝኡ ምስ ዝነበረ ሊዮኔል ሜሲ ዳግም ክራኸብ ኢዩ፡፡

ሱዋሬዝ ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ድሕሪ ምዝዛሙ ናብ ብራዚላዊት ጋንታ ግሬሚዮ ከምዘምረሐ ይዝከር።

ቅድም ክብል ድማ ኣብ ጋንታታት ኣያክስ፣ ሊቨርፑልን ባርሴሎናን ከምዝተፃወተ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.