Fana: At a Speed of Life!

ሊዮኔል ሜሲ ንሃገሩ መበል 100 ሸቶኡ ኣመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሌዮኔል ኣንድሬስ ሜሲ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና መበል 100 ሸቶኡ ትማሊ ኣመዝጊቡ።

ሜሲ ሃገሩ ኣርጀንቲና ንደሴት ካረቢያ ኣብ ሳንቲያጎ ዴል ኤስትሮ 7 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ሃትሪክ ሰሪሑ፡፡

ተዓዋቲ 7 ግዘ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ሊዮኔል ሜሲ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2006 ኣርጀንቲ ብክሮኤሺያ 3 ን 2 ኣብ ዝተሰዓረትሉ ፀወታ ንሃገሩ ፈላመይቲ ሽቶ ዘመዝገበ እንትኸውን፥ ትማሊ ምሸት መበል 100 ሸቶ ከመዝግብ ክኢሉ፡፡

ክብረ ወሰን ጋብሬል ባቲስቱታ ብምምሕያሽ ልዑል መቁፀሪ ሸቶ ሃገሩ ክኸውን ዝኸኣለ ሜሲ፥ ንሃገራዊት ጋንትኡ 7ይ ሃትሪክ እውን ሰሪሑ፡፡

ሜሲ ካብ ፖርቹጋላዊ ኣጥቃዓይ ክርስቲኖ ሮናልዶን ኢራናዊ ተፃዋታይ ኣል ዳኢይ ብምቕፃል ሰልሳይ ብዙሕ ሸቶ መመዝገቢ ዓለም ኮይኑ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.