Fana: At a Speed of Life!

ሊግ ዓረብ ሊግ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ ዓረብ ሊግ ህንፀትም ምልኢት ማይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ትማሊ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበል ገሊፃ።

እቲ ሊግ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ንግብፂ ዝወገነ መግለፂ ምዃኑ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ስራሕቲ ህንፀትን ምልኢት ማይን ግድብ ህዳሰ ናይ ምምሕዳር ስራሕ ንዝምልከተን ተፋሰስቲ ሃገራ ኣፍሪካ ክሕደግ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ሊግ ዓረብ ጉዳይ ቲ ግድብ ዝምልከተን ተፋሰስ ሃገራት ከምዘለዋ ንምዝኽኻር ኣይንደሊን ዝበለ እቲ መግለፂ፥ እቲ ሊግ መሰረታዊ ዓለም ለኸ ሕጊ ብዘየኽበረ መልክዑ ኣቐባሊ ቃል ሓንቲ ሃገር ብምዃን እናገልገለ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ መምርሒ “ንኣፍሪካዊፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ”ብምኽታል ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ንምቅርራብ ሰለስታዊ ድርድር እናመዓራረየ ምፅንሑ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ “ኣካይዳ እቲ ሊግ ስሕተት ኢዩ” ክብል ኮኒኑ፡፡

ግብፂ ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ብምኽንያት ዓርሰ ፍትወት ተልዕሎ ሕቶ ይግበአኒ ነቲ ድርድር ከምዘደንጎየቶ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡

ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ድርድር ብፅኑዕ ከምዝድግፍ ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን መጋቢት 2015 ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ዝተፈረመ ኣዋጅ ስምምዕነት ብምምኽታል ህንፀትን ምልኢት ማይን እቲ ግድብ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.