Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንምርግጋፅ ሰላም ኣብ ቀፃሊ ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲታት ብዝምልከት ኣንፈታት ኣቐሚጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንምርግጋፅ ሰላም ኣብ ቀፃሊ ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲታት ብዝምልከት ኣንፈታት ኣቐሚጡ።

እዚ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ነዝሓለፉ 13 መዓልታት ዝፈፀሞም ተግባራት ብዕምቆት ገምጊሙ።

ብመሰረት ኣብ ክልል ኣምሓራ ህዝቢ ምስ መሓዉር ፀፅታ ብምዃን ብዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ሰላምን ድሕንነትን ተረጋጊፁ ኢሉ።

ነዚ ድማ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ህዝቢ እቲ ክልል ዝነበሩ ግደ ልዑል ከምዝነበረ ብምግላፅ አመስጊኑ።

ኣመራርሓ እቲ እዚ ከምዝገለፅዎ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ባህጊ ወራሪን ፅንፈኛን ጉጅለ ብምፍሻል ግደ ህዝቢ እቲ ክልል ዝለዓለ ነይሩ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ሰላም ብዘላቕነት ንምንጋስ፣ ዝተበታተነ ፅንፈኛ ጉጅለ ናይ ምፅራይ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ዘለዋ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣገልግሎተን ኣጠናኺረን ንክቕፅላ ናይ ምግባር ስራሕ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.