Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ እቲ ክልል ናብ ሰላም ንምምላስ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ መምርሒ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ እቲ ክልል ናብ ሰላም ንምምላስ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ምኽባር ሕጊ ገምጊሙ።

ኣመራርሓታት ላዕለዋይ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ክልል ኣምሓራ፤ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣረጋ ከበደ፣ ጀኔራል ኣበባው ታደሰ፣ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ዘላለም መንግስቴ ፣ ላዕለዎት ጀኔራል መኮንናትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ ገምጋም ተኻይዱ።

ኣብቲ ገምጋም÷ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝበሮ ፀገም ፀፅታ እናተላቐቐ ናብ ዝተማለአ ሰላም ንምምላስ እናተሳለጠ ዝርከብ ስራሕ ሕጊ ምኽባር ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ክልል ዘሎ ኢበኮኒሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓስ ምምሕያሽ ከምዘርአየ ኣብቲ ገምጋም ከምዝተልዓለ ኣሚኮፀብፂቡ።

ኣብ ቀፃሊ ዝተጀመረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብውፅታውነት ብምዝዛም እቲ ክልል ናብ ዝተማለአ ልምዓት ንኸኣቱ እናተሰርሐ ዃኑ እቲ ላዕለዋይ መምርሒ ኣፍሊጡ።

ሕብረተሰብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ንኽዕወት ንዘርአዮ ኩለመዳይ ሓገዝ እቲ ላዕለዋይ መምርሒ ኣመስጊኑ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ በቢብርኩ ምስ ዘሎ ኣኽባሪ ሕጊን ኣመራርሓ ኮማንድ ፖስትን ብምስራሕ ዝተለመደ ኣስተዋፅኡኡ ኣጠናኺ ንኽቕፅል እውን ሓቲቱ፡፡

እቲ ገምጋም ዝተኻየደ÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ፕጀክት ጎርጎራ ዑደት ድሕሪ ምግባሮም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.