Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ንዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝኸውን 40 ሺሕ ዶላር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ንዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝኸውን 40 ሺሕ ዶላር ሓገዝ ገይሩ።

ምክትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ተስፋየ ዳባን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ኣበራ ፀጋዬን ነቲ ስምምዕነት ገንዘባዊ ሓገዝ ተፈራሪሞምዎ፡፡

እቲ ሓገዝ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ዝህቦምን ኣብ ቀፃሊ ዝውስኾም ሓደሽቲ ካሪኩለማትን ዳህሳስ መፅናዕቲ ብምክያድን ክለሳ ንምግባር ዘኽእል ስራሕ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ምክትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዘፈር ጉዳያት ሕጊ ኣይተ ተስፋየ ዳባ፥ ስርዓት ምምሕዳር ገበን ፍትሒ ንምምሕያሽ፥ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ኣቢያተ ፍርዲን ሓይሊታት ፀፅታን ዓበይቲ ምምሕያሻት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ እውን ብፍላይ ኣብ ፖሊስ ዘሎ ስራሕ ኣብ ፍልጠት ዝተደረኸ ክኸውን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ከይዲ ምርመራ ካብ ልሙድ ኣሰራርሓ ወፂኡ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽሳለጥ ዓቢዪ ድጋፍ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ኣበራ ፀጋዬ ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ክሳብ ክልላት ብምውራድ ዳህሳስ መፅናዕቲ ብምግባር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝህቦም ፕሮግራማት ንምኽላስ ከምዝሕግዝ ምግላፆም ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.