Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ንምርግጋፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ንምርግጋፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ድሕንነቱ ዝተሓለወ ምስክር ወረቐት መረዳእታ ትምህርቲ ንዝተመደቡ ትካላት ምሃብ ከምዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ በዓል መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ፌዴሪኢን “ኤስ ኣይ ሲ ፒ ኤ”ን ተፈራሪሞምዎ።

ዕላማ እቲ ስምምዕነት÷ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እተስፋሕፈሐ ዝመፅአ ናይ ሕሶት መረዳእታ ትምህርቲ ንምቁፅፃርን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ሓቀኛ መረዳእታ ትምህርቲ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ንዝተመረፁ ሽዱሽተ ትካላት ትምህርቲ 4 ሺሕ መረጋገፂ ድሕንነት ኮድ ብመሃብ ፈተነ ከምዝጅመር ተገሊፁ፡፡

ኣተገባብራ እቲ ስምምዕነት ክታም ካብ ዝተነበረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.