Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብተልእኾን ብምርምርን ንምውዳብ ዓሊሙ ዝተገበረ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብተልኾን ብምርምርን ንምውዳብ ዓሊሙ ዝተገበረ መፅናዕቲ ዕላዊ ኮይኑ።

ዘተ ቤት ምኽሪ ለውጢ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፥ ፕሬዚዳንታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣመራርሓታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ሆቴል ሂልተን ይሳለጥ ኣሎ።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብተልኾን ብምርምርን ንምውዳብ ዓሊሙ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብቲ ኣኼባ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።

ሸሞንተ ትካላት ትምህርቲ ማዕኸል ምርምር፣ 15 ትካላት ትምህርቲ ኣፕላይድ፣ 21 ትካላት ትምህርቲ ሓፈሻዊን 3 ትካላት ትምህርቲ ድማ ስፔሻላይዝድ ብዝብል ተሰይመን።

ብመሰረትእዚ ድማ ዩኒቨርሲታት ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለ፣ ኣርባ ምንጭ፣ ባህር ዳር፣ ጎንደር፣ ሃሮማያ፣ ሃዋሳን ጅማን ማእኸል ምርምርን መፅናዕቲን እንትበሃላ፥ ዩኒቨርሲቲታት ኣኽሱም፣ ኣርሲ፣ ኣሶሳ፣ ዲላ፣ ድሬዳዋ፣ ደብረ ብርሃን፣ ደብረ ማርቆስ፣ ኮተቤ፣ ጅግጅጋ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ሰመራ፣ አምቦ፣ ወለጋ፣ ወልቂጤን ወሎን ድማ ኣፕላይድ ተቢሂለን ተደልዲለን።

ጋምቤላ፣ መቱ፣ ሚዛን፣ ዋቻሞን ወልዲያን ሓፈሻዊ ተባሂለን ካብ ውሽጢ ዝተፈለያ ዩኒቨርሲታት እንትኾና፥ ዩኒቨርሲቲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲሰ ኣበባን ኣዳማን ከምኡ እውን ትካላት ቴክኒክን ሙያን ፌዴራል ስፔሻላይዝድ ተባሂለን ከምዝተፈለያ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰሰር ሂሩት ወልደማርያም፥ ተምሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ቅድሚ ምእታዎም ኣእምሮኦም ከማዕብሉ ዘኽእሎም ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ተረኺበን ገሊፀን።

ይኹን እምበር እቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢታዊ ብዘይምዃኑ ኣብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ጎንፂታት ተላዒሎም ንምጥፋእ ህይወት ተምሃሮን ምዕናው ናውቲን ምኽንያት ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብዝተፈጠሩ ፀገማት ምኽንያት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝተኣጓጎለ እውን እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ካብ ፓርላማ፣ ዩኒቭርስቲን ካልኦት ትካላትን ዝተውፃእፅአ ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሞያታት ተጣይሹ ፀገም ናብ ዝተፈጠረለን ላዕለዎት ትካላት ትምህቲ ከምዝተልኣኸ ኣፍሊጠን።

እቶም ዝተፈጠሩ ፀገማት ኮነ ተባሂሉ ትልሚ ወፂኡሎም፣ በጀት ተሰሊዑሎም፣ ስልጠናን ምውፋርን ተገይሩሎም ዝተፈፀሙ ምዃኖም እቲ ዝተልኣኸ ጉጅለ ክዕዘብ ምኽኣሉ እውን ገሊፀን።

እዚ መሰረት ብምግባር ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ ዝበላ ፕፌሰር ሂሩት፥ ሴኔት ዩኒቨርሲቲ እውን ፀገም ዝፈጥሩ ሰራሕተኛታት እንተሃሊዮም ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፥ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾና ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ስረሐን እናካየዳ ከምዝኾና ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ሰላማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትመሃርን ካልኦት ዛዕባታትን ኣድሂቡ ክመያየጥ ኢዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.