Fana: At a Speed of Life!

‘ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንለውጢ ድህረ ጎንፂ ኣብ ኢትዮጵያ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ልዝብ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)‘ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንለውጢ ድህረ ጎንፂ ኣብ ኢትዮጵያ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዘተ ብቐንዱ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኲናት ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ሰላም፣ ዕርቂን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ብኸመይ ምዕሳል ከምዝኽአርላ ግንዛበ ንምፍጣር ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ÷ ማሕበርሰብ እቲ ከባቢ ብልምዓት ንምሕጋዝን ፍልጠቶም ተግባራዊ ክገብሩ ዝኽእሉሉ መገዲ ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዘተ÷ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ወሎን ሰመራን ምስ ስቴት ዩኒቨርሲቲ አሪዞና ኣሜሪካ ብምትሕብባር  ኣሰናዲኦምዎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣመራርሓታት ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌደራል፣ ምሁራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ተወከልቲ ሲቪክ ማሕበራትን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.