Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነት ፆታን ትምህርቲን ዝዝቲ ጉባኤ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ማዕርነት ፆታን ትምህርቲን ዝዝቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ጉባኤ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮኝ ንህፃናትን ተበፃሒ ምግባር ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም እናተዛተዩ ምዃኖም ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ፕዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣብ ኣፍሪካ ዝዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ቐጠና ጎንፂን ኲናትን ናፃ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ኣብታ ኣህጉር ብዝፍጠሩ ጎንፂታት ምኽንያት፥ ልዕሊ 12 ሚሊየን ህፃናት ካብ ዓውዲ ትምህርቲ ርሒቖም ከምዝርከቡ ኣብቲ ጉባኤ ተሓቢሩ።

ካብዚኣቶም ድማ እተን 55 ሚኢታዊ ዝኾና ሰገናት ደቂ ኣነስቲዮ ምዃነን ተገሊፁ።

ብፍላይ ጎንፂ ኣብ ዝለዓለለን ከባቢታት ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ዝነብራ ደቂ ኣነስትዮ እተን 90 ሚኢታዊ ኣፍ ደገ ቤት ትምህርቲ ረጊፀን ኣይፈልጣን ተባሂሉ።

ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብዝተረኸቡሉ መድረኽ ኣብቲ ዛዕባ ብምትኳር ዘተ ምግባሩ ዝነኣዳ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ እዚ ድማ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ እናሰርሐት ምዃና ዘርኢ ኢዩ ኢለን።

ብተወሳኺ ኣፍሪካ ኣብ ዓመተ 2020 ድምፂ መሳርሒታት ጦር ዘይስመዐላ ኣህጉር ንክትከውን ዝተትሓዘ ትልሚ ተግባራዊ ንምግባር፥ መንግስታት ኣባል ሃገራት እናሰርሑዎም ዝርከቡ ስራሕቲ ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.