Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣፈ-ጉባኤ ኣቢያተ ምኽሪ ክልላትን ኣብ ህንዲ ዝገበሩዎ ልውውጥ ልምዲ ዲፕሎማሲ ፓርላማ ዘጠናኸረ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣፈ-ጉባኤ ኣቢያተ ምኽሪ ክልላትን ኣብ ህንዲ ዝገበሩዎ ልውውጥ ልምዲ ዲፕሎማሲ ፓርላማ ዘጠናኸረ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።

ብሓጋዚ ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወክልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ምህረቱ ሻንቆ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣፈ-ጉባኤ ኣቢያተ ምኽሪ ክልላትን ኣብ ህንዲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ልውውጥ ልምዲ ብምግባር ተመሊሱ።

እቲ ልውውጥ ልምዲ÷ ሓፈሻዊ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ፓርላማ ህንዲ፣ ኣቀራርባ ሕቶን ስነስርዓትን ኣባላት ፓርላማ፣ ስነምግባር ፓርላማ፣ ኣወፃፅኣ ሕጊን ስርዓት ኣወሳስና በጀትን ዘካተተ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኤዥያን ፓስፊክን ኣምባሳደር ገበየሁ ጋንጋ፥ እቲ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብምኽንያት ዘጋጠማ ፈተና ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብተደጋጋሚ ዛዕባ ክትከውን እንትግበር ህንዲ መምርሒ ተኸቲላ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንኽኽበር ዝገበረቶ ሓገዝ ኣዘኻኺሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ህንዲ ሙላሪድሃራን ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ዝመፅ ርክብ እናሰፍሐ ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚን ፖለቲካን መሰል ልውውጣት ልምዲ ንምግባር ዕዙዝ ኣስተዋፅ ኣለዎ።

ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ህንዲን÷ ልዕሊ 75 ዓመታት ዝተሳገረን በቢእዋኑ እናተጠናኸረ ዝመፅአን ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.