Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ናብ ዘላቒ ልምዓት መእተዊ መገዲ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ናብ ዘላቒ ልምዓት መእተዊ መገዲ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣብ ታንዛኒያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ “ኣብ ትምህርቲን መፍረያይነትን ኣብ መናእሰይ ኣፍሪካውያን ንምስራሕ ድሉዋት ዲና?” ብዝብል ኣብ ዝተሰናደአ ፓናል ዘተ ተሳቲፎም።

ኣብቲ እዋን ድማ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ናብ ዘላቒ ልምዓት መእተዊ መገዲን መካተትቲ ትልሚታትን ፕሮግራማትን ንምትግባር ዝሕግዝ መሳርሒ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ኣብ ሰባት ምስራሕ ከምዝግባእ ዝሓበሩ ኣይተ ደመቀ÷ ኣፍሪካውያን ኣብ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ትኹረት ምሃብ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.