Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ኮሪደር ስራሕቱ ብህፁፅ ብምዝዛም ንህዝቢ ክፍቲ ንምግባር ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ስራሕቱ ብህፁፅ ብምዝዛም ንህዝቢ ክፍቲ ንምግባር ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ ሀንፀት እቲ ልምዓት ኮሪደር ኣብ እዋንታዊ ኩነታት ከምዘሎ ብምግላፅ፥ እቲ ስራሕ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ስልጠት እንተቐፂሉ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝዛዘም ኣረዲኦም።

ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳርን ነቲ ስራሕ ተባሉ ዝተጣየሸ ኣተሓባባሪ ኮሚቴን ብምግምጋም እቶምክ ስራሕቲ ብህፁፅ ንክካየድ ብትግሃት ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ብምኽኒያት እቲ ልምዓት ካብ ነባር ከባቢኦም ነበርቲ፥ ሀንፀት መንበሪ ኣባይቲ፣ መሰርሒ ቦታን ተተካኢ መሬትን ናይ ምሃብ ከምኡውን ክፍሊት ካሕሳ ይፍፀም ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብልምዓት ኮሪደር፣ መሊስካ ምልማዕ፣ ዓውዲታት ሓምለዋይ ኣሰርን ውቅብቲ ከተማን ብቀዋምነት ን1 ሺሕን 485፣ ብግዚያዊነት ን13 ሺሕን 784 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.